በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ መንፈቅ ዓመት 2012 ኣመልኪቱ ምስ መሓው ኣመራርሓን መተሓባበርትን ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ኣብ ከተማ ማይጨው ገምጋም ኣካይዱ።
ኣብዚ መድረኽ ቀዳማይ መንፈቅ ዓመት ሪፎርምታት ግብሪ ንምዕዋት ካብ ክልል ጀሚሩ ክሳብ መሓውር ወረዳታት፣ ከተማታት ፣ኬዝቲማትን ውልቀ ክኢላታትን ማሕንቆታት ዘነፀረ ትልሚ 2012 በጀት ዓመት ብምውፃእ መደባት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ንምዕዋት ተጠናኺሩ ከም ዝተሰርሐሉ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኣሰፉ ሊላይ ኣገንዚበን።
ወረዳታትን ከተማታትን ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ካብቲ ዘውፅኦ ትልሚ ብፍሉይ ትልሚ ሰናይ ምምሕዳር፣ መኮነን ስነ-ምግባርን ስርዓተ ፆታን ዓርሱ ክኢሉ ክወፅእን ካብ ምግባር ሓሊፉ ተግባር መሰረት ዝገበረ ህንፀት ብምጥንኻር ኣብ ኣዋጃት፣ደንብታት መምርሕታትን ግብሪ ምይይጣት ብምክያድ ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ናብ ተመሳሳሊ ዓቕምን ክእለትን ክመፁን በዚ ኣቢሎም ስሉጥ ግልጋሎት ክህቡ ከም ዝኽእሉ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኣሰፉ ሊላይ ገሊፀን።
ከም በዓል መዚ ኣብ 2012 በጀት ዓመት ኣብ ቁልፍን ዓበይትን ዝተትሓዙ መደባት ንምዕዋት ኣተሓሳስባን ተግባራትን ኣካባነት ክራይ ብምድኻም ኣወሃህባ ግልጋሎት ብምዝማን ዝእከብ ግብሪ ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ንምርግጋፅ ይሳርሕ ኣሎ። እቶት ግብሪ ንመተለሚ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ሰራሕቲ ክልልና ንኸውዕል ካብ ክልል ጀሚሩ ክሳብ መሓውር ወረዳታትን ከተማታትን ኣብያተ ፅሕፈት ስርዓት መረዳእታ ኣብ ምጥንካር ዕውታት ሰራሕቲ ከም ዝተወገኑ ኣብተ መድረኽ ቀሪቡ እዩ። ኣብ ቀዳማይ መንፈቅ ዓመት 2012 በጀት ዓመት ኣብ ክረምታዊ መደባት ተታሒዙ ካብ ዝነበረ ብር 400 ሚልዮን ትልሚ እቲ ብር 394,330,897 ወይ 98.6% ተኣኪቡ እዩ፡፡ ብሓፈሻ ካብ ዝተተሓዘ ክልላዊ እቶት ትልሚ ብር 6.717 ቢሊዮን ክሳብ ፍርቂ ዓመት ብር 2.938 ቢሊዮን ዝተኣከበ ኮይኑ ኣፈፃፅምኡ ድማ ካብ ዓመታዊ ትልሚ 43.75% እንትኸውን ካብ ቀዳማይ መንፈቅ ዓመት ትልሚ ድማ 83.95% ተፈፂሙ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ኣብዚ መንፈቕ ዓመት ንከፈልቲ ግብሪ ደገፍን ክትትልን ዝተገበረ ኮይኑ ን152,277 ነጋዶን ገዛ መካረይትን መዓልታዊ መፅናዕቲ ዝተኻየደሎም እንትኸውን ን22,175 ከፈልቲ ግብሪ እውን ብኣሰር ኣፃብዕቲ ዝተሓገዘ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ተዋሂቡዎም እዩ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ገምጋም እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ሓልሓሊፎም ዝርእዩ ክፍተታት ብፍላይ ኣብ መዓልታዊ መፅናዕቲ ፍትሓውነት ምጉዳልን ብእዋኑ ክእክብ ዝግባእ ግብሪ ክእከብ ኣብ ምግባርን ዝርኣዩ ክፍተታት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክፍትሑ ከም ዘለዎም ብምርድዳእን ንቐፃሊ ጠመተ ዘድሊዮም መደባት ብምንፃርን ቑጠባዊ ዓርሰ ምርኮሳ ትግራይ ንምዕባይ ኣበርቲዖም ከም ዝሰርሑ ቃል ኣትዮም።
ሃይላይ ኪሮስ
ላዕለዋይ ክኢላ ር/ህዝቢ
በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ