News details

Blog Single

2025-03-27 08:40:26

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ግብሪ እቶት ስራሕ ሕርሻን ክፍሊት መጥቀሚ መሬትን ንምምሕያሽ ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ

ግብሪ እቶት ስራሕ ሕርሻን መስኖን ክፍሊት መጥቀሚ መሬትን ንምምሕያሽ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን መድረኽ ምኽክር ዘተ ኣብ ከተማ ውቕሮ ኣካይዱ።

Blog Image

ግብሪ እቶት ስራሕ ሕርሻን መስኖን ክፍሊት መጥቀሚ መሬትን ንምምሕያሽ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን መድረኽ ምኽክር ዘተ ኣብ ከተማ ውቕሮ ኣካይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኣሰፉ ሊላይ ካብ ግብሪ መሬት ፍትሓውን ተመጣጣንን ግብሪ ንምእካብ መመሓየሺ ኣዋጅ ቁፅሪ 137/2000 ዓ/ም ግብሪ እቶት ስራሕ ሕርሻን ክፍሊት መጥቀሚ መሬትን ንምምሕያሽ ዝዓለመ መድረኽ ምዃኑ ኣገንዚበን።

ግብሪ እቶት ስራሕ ሕርሻን  ክፍሊት መጥቀሚ መሬትን ንምእካብ ዝወፀ ኣዋጅ ልዕሊ 12 ዓመት ዘቑፀረ ብምዃኑ ሐዚ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ጠለብ ህዝቢ ንምምላእን ትካላት መሰረተ ልምዓት ንምስፍሕፋሕን እቲ ዝፀነሐ ኣዋጅ ግብሪ እቶት ስራሕ ሕርሻን ክፍሊት መጥቀሚ መሬትን ብምምሕያሽ ግብሪ ብምእካብ ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ምርግጋፅ ወሳኒ እዩ ክብሉ ዋና ስራሕ መካየዲ ኤጀንሲ ሓለዋን ስነ ከባብን ምምሕዳር ገፀር መሬት ትግራይ ኣይተ ካልኣዩ ገ/ሂወት ኣተሓሳሲቦም።

ቁጠባዊ ዓቕሚ ትግራይ ኣብ ግምት ዘእተወ ግብሪ እቶት ስራሕ ሕርሻን መስኖን ክፍሊት መጥቀሚ መሬትን ንምእካብ ካብ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገፀርን ትግራይ፣ ኤጀንሲ ሓለዋን ስነ ከባብን ምምሕዳር ገፀር መሬት፣ ኣመራርሓ ውዳበታት ሓፋሽ ማሕበራት ሓረስቶት፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ገፀር ወረዳታት ትግራይ ዝተውፃእፅኡ ተሳተፍቲ እንትኾኑ ብዘመናዊ ከዳስተር ዝተደገፈ ጭቡጥ መረዳእታ ስፍሓት ተሓራሳይ መሬት ብምሓዝ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘመንጨዎ ግብሪ እቶት ስራሕ ሕርሻን መስኖን ክፍሊት መጥቀሚ መሬትን ንምእካብ ብዓቀብቲ ሕጊ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ትግራይ ኣብ ሽዱሽተ ዞባታትን 13 ገፀር ወረዳታትን ትግራይ ዝተኻየደ ዳህሳስ መፅናዕቲ ቀሪቡ በቶም ተሳተፍቲ ተዘትይሉ እዩ።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብወገኖም በቢ ብርኩ ዝለዓሉ ሕቶታት መሰረተ ልምዓት ንምምላእን ቁጠባዊ ምዕባለኣ ዘረጋገፀት ብልፅግትን ምዕብልትን ትግራይ ንምርኣይ ግብሪ እቶት ስራሕ ሕርሻን መስኖን ክፍሊት መጥቀሚ መሬትን ዝርከብ ኣታዊ ንምእካብ ኣበርቲዖም ከም ዝሰርሑ ቃል ኣትዮም።

      ሃይላይ ኪሮስ

                                                            ላዕለዋይ ክኢላ ርክብ ህዝቢ

                                                በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ