October 19, 2025
በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ምእካብ ግብሪ በጀት ዓመት 2017፣ ናይ ቀፀቀሊ በጀት ዓመት ትልምን ካብ መዓድን ክእከብ ዝግበኦ ግብሪ ከመይ ክእከብ ከም ዝግበኦን ምስ ኣመራርሓ ዞባታት፣ ወረዳታትን ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶትን መድረኽ ዘተ ኣካይዱ፤
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ፕረዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ትግራይ መንግስቲ ክህሉን ስርዓት መንግስትነት ክጥንክርን፣ መንግግስቲ ማሕበራዊን ቁጠባውን ግልጋሎት ክህብ እንተኾይኑ ግብሪ ብስርዓት ምእካብ ኣድላይ ከም ዝኾነን ተኽእሎ ወይ ዓቕሚ ምእካብ ግብሪ ናይ ሓደ መነግስቲ ጥንካረን ድኽመትን ዝምዘነሉ ረቁሓ ብምኻኑ ካብ ውሽጣዊ ቁጠባዊ ፍልፍላት ዝምንጩ ግብሪ ምእካብ ግዴታን ግቡእን ዜጋታት ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ናይ ተግባር ምዕራፍ ምእካብ ግብሪ በጀት ዓመት 2017 ካብ ባሕቲ ሓደ ጀሚሩ መዓልቲ ግብሪ ብዝብል ቴማ ክም ዝጅመርን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዝተዋደደ ግልጋሎት ንምሃብ ምድላዋት ከም ዝተወገነ፣ ናይ ቀፀቀሊ በጀት ዓመት ብር 25 ቢልዮን ንምእካብ ትልሚ ከም ዝተተሓዘን ካብ መዓድን ክእከብ ዝግበኦ ግብሪ ብዝወፀ ሕጊ ንምእካብን ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ከም ዝኾነ ዳይሬተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ኣይተ ክብሮም ፍሰሃየ ሓቢሮም።
በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ መዓልታዊ መፅናዕቲ ተጠቐሊሉ ተግባር ምዕራፍ ንምጅማር እቲ ናይ ምድላው ምዕራፍ ተወጊኖም ኣለው። ብፍላይ ድማ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ካብ ኩሎም ግብሪ ዝእከበሎም ኣታውታት ከም ክልል ብር 16 ቢልዮን ኣታዊ ከም ዝተኣከበ፣ ንቐፃሊ በጀት ዓመት 2018 ድማ ከም ክልል ብቤት ዝተመሓየሸ ትልሚ ብር 25 ቢልዮን ግብሪ ንምእካብ ከም ዝተተሓዘን ኣብ ትግራይ ይካየድ ኣብ ዘሎ ዕደና ኣብዚ በጀተ ዓመት 160 ኩንታል ወርቂ ናብ ባንኪ ኣታዊ ዝኾነ ኮይኑ ካብዚ ድማ ክሳብ እዚ ሒዝናዮ ዘለና በጀት ዓመት ብነባር መምርሒ ብ3 ምኢታዊ ግብሪ ክእከብን ካብዚ እንተሓሊፉ ግን በቲ ሓዱሽ መምርሒ መሰረት ብ8 ምኢታዊ ግብሪ ሮያሊቲ ክእከብ ከም ዝግባእ ኣብቲ መድረኽ ቀሪቡ።
ተሳተፍቲ ኣብ ጉዳይ መዓድን ናብ ስርዓት መረዳእታ ዝኣተሉን ምስርሕ ኣከፋፍላ ግብርን ኣመልኪቶም ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ዝተልዓሉ ኾይኖም ካብ መድረኽ መልስን መጠቓለልን ምስተወሃ እቲ መድረኽ ዘተ ተዛዚሙ