December 09, 2025
ሓደሽቲ ኣዋጃት መመሓየሺ ኣታዊ ግብሪ፣ ምዝገባ ተወሳኺ እሴት ታክስን ኤክሳይዝ ታክስን መሰረት ብምግባር ንሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶትን መተሓባበርትን ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና ከም ዝሃበ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣይተ ክብሮም ፍስሃየ ኣገንዚቦም።
ቑጠባዊ ዓቕሚ ኣታዊና ንምዕባይ ነዚ ዝምጥንን ዝድግፍን ስርዓት ምምሕዳር ግብሪ ምጥንኻርን ምምሕያሽን ወሳኒ ብምዃኑ ብብርኪ ሃገር ዝተመሓየሹ ኣዋጅ ኣታዊ ግብሪ ኣብ 2018 በጀት ዓመት ፀዲቑ ናብ ተግባር ክእቶ እዩ ኢሎም። እዞም ሓደሽቲ ኣዋጃት መሰረት ግብሪ ብምስፋሕ፣ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ክፋል ሕብረተሰብ ዘለዎ ፅዕንቶ ግብሪ ንምቅናስ፣ መሰረት ግብሪ ንምሽርሻርን ግብሪ ንምጭብርባርን በሪ ዝኸፍቱ ኣሰራርሓታት ንምዕፃውን ምስ ዝበፃሕናዮ ቁጠባዊ ዕብየት ንምዝማን እዚ ስልጠና ክፍተታትና እናፅበብና ዓቕምና እነጎልብተሉ ስሉጥን ቀፃልነት ዘለዎን ግልጋሎት ንምሃብ ዝሕግዝን ከፈልቲ ግብሪ ከከም ኣታዊኦም ክኸፍሉ ዝገብር ምኻኑ እቶም ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም።
ቐንዲ ዕላማታት ምምሕያሽ ኣዋጅ ኣታዊ ግብሪ፣ ምዝገባ ተወሳኺ እሴት ታክስን ኤክሳይዝ ታክስን ብተግባር ሪፎርምታት ግብሪ ኣብ ምፍፃም ዘፀግሙ ዝነበሩ ድንጋገታት ግልፅነት ንክህልዎም ብዝተበታተነ መንገዲ ኣብ ስራሕ ዝፀንሑ ኣዋጃት ብምውህሃድ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ብምግባር ግልፅነት ዝጎደሎም ዓንቐፃት ምኽንያ ብምግባር ኣብ ከፈልቲ ግብሪ ዝበፅሕ ዝነበረ ምንግልታዕ ብምውጋድ ፍትሓዊ ስርዓት ኣከፋፍላ ግብሪ ንምዝርጋሕ ዝዓለመ ሙያዊ ስልጠና እዩ። እዚ ሓዱሽ መምርሒ ኣዋጅ ኣታዊ ግብሪ ቁጠባዊ ዓቅሚ ክልልና ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ኣብ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ክረጋገፅ ዝገብር እዩ ክብሉ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣይተ ክብሮም ፍስሃየ ኣተሓሳሲቦም።
ብደጋፊ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ