October 19, 2025
ቅድመ ምድላው ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 2018 በጀት ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን ሓቢርካ ብምስራሕ ስሉጥን ፅፉፍን ግልጋሎት ንምሃብ ከም ዝተሰርሐሉ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት ክልል ትግራይ ኣይተ ክብሮም ፍስሃየ ኣፍሊጦም።
ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብስርዓት መንግስቲ ዝኣምን ኣብ ግብሪ ምኽፋል ዘለዎ ተገዳስነት እንትግለፅ ግብርን ሞትን ኣይተርፍን ብዝብል ኣገላልፃ እዩ ዝገልፆ። ካብዙይ ብምብጋስ እውን ስርዓት ግብሪ ፍትሓውን ተኣማንን ክኸውን ከም ትግራይ ንዝሰርሖም መሰረተ ልምዓት ወፃኢ ንምሽፋን ፍትሓዊ ግብሪ ኣብ ምእካብ ብናይ ህዝቢ ምንቅስቃስ እናሰራሕናን ኣብ ልምዓት እናሃለናን ጀኖሳይዳዊ ኩናት ኣጋጢሙና እቶም ተኣታትዮም ዝነበሩ ሪፎርምታት ስርዓት ምምሕዳር ግብሪ ዓንዮምን ንድሕሪት ተመሊሶም እዮም ክብሉ እቶም ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም።
ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ውዕሊ ፕሪቶርያ ድማ ኣንፃራዊ ሰላም ብምርካቡ ነቲ ዝነበረ ስርዓት ግብሪ ንምምላስ ኣብ ምንቅስቓስ ንርከብ። ናይ ሎሚ ዘመን ግብሪ ምኽፋል እውን ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ፀገም ማለት እውን ሰላምናን ልምዓትናን ብሙሉእነት ኣብ ዘይተረጋገፀሉ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ኣብ ዘይተመለስሉ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣብ ዘይተረጋገፀሉ፣ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ኣብ ዘይተተግበረሉ ኩነታት ኢና ዘለና። ስለዚ ሎሚ ዓመት እንኸፍሎ ግብሪ ታራ ምኽፋል ዘይኮነስ ነቶም ዝተገለፁ ፀገማት ንምፍታሕ ብዘለዎ ትርጉም ተረዲእና “ግብሪ ንሕውየትን ደግመ ህንፀትን ትግራይ” ብዝብል ቴማ ኩሉ ግብሪ ከፋላይ ማሕበረሰብ ብእዋኑ ከቲቱ ግብሪ ክኸፍልን በቢደረጅኡ ዘሎ ኩሉ ኣመራርሓ እውን ነዚ ብውነ ተረዲኡ ቅልጡፍል ፅፉፍን ግልጋሎት ክወሃብ ጠንኪሩ ክመርሕን ክሕግዝን ይግባእ ክብሉ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት ክልል ትግራይ ኣይተ ክብሮም ፍስሃየ ኣተሓሳሲቦም።