October 19, 2025
ኣብ ምጅማር ምኽፋል ግብሪ ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 2018 ግብሪ ዘመን ዝተረኸቡ ምክትል ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ዘይሓወየ ማሕበረ ኢኮኖሚ ትግራይ ንምሕዋይን ንምጥንኻርን ምእካብ ግብሪ ብዝተዋደደ መንገዲ ክፍፀም ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም።
ቁጠባዊ ዓቅሚ ትግራይ ዘፈልፍሎ ኣታዊ ንምእካብን ማሕበረ ኢኮኖሚ ክልልና ንምጥንካርን ኩሉ ሸኽምና ካብ ውሽጣዊ ኣታዊና ብዝርከብ እቶት ክኸውን ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ መላእ ማሕበረሰብ ንግዲ እውን ነዚ ፈሊጦም ግብሪ ኣብ ምኸፋል ግቡኦም ክዋፅኡ ፀዊዖም።
ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን’ውን ካብ ሓምለ 1/2017/2018 በጀት ዓመት ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልልና፣ ዞባታት፣ ወረዳታትን ከተማታትን ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን፣ ልምዓት ጉጅለታት ደኣንትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዝተረኸብሉ ባንድታት፣ ክለባት ግብሪ ንልምዓት ብዘቕረበኦም ሓፀርቲ ተዋስኦታትን ድራማታት፣ ግጥምታትን ደሚቁ ብጎይላን ሕብሽትን ሰትን ሻሂ ቡናን ፕሮግራም ተዓጂቡ ብዝደመቐ ኩነታት ተበሲሩ እዩ።