August 04, 2026
ሃፍቲ ትግራይ ዝኾኑ ኩሎም ፍልፍላት ኣታዊና ንዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ክነውዕሎም ይግባእ ክብሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ገሊፆም
ኣብቲ ኣብ ዙርያ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ትግራይ ኣመልኪቱ ብበዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ዙርያ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ትግራይ ኣድሂቡ ኣብ ዘሳለጦ ገምጋም፡ ፀብፃብ ድሕሪ ምቕራቡ ካብ ተሳተፍቲ ሪኢቶታት ዝቐረቡ ኾይኖም፡ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ፡ኣብ ኣተኣኻኽባ ግብሪ ዘሎ ፀገም ፍትሓውነትን ካልኦት ፀገማትን ንምዕራይ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዝተዋደደ ስራሕ ክስራሕ እዩ ኢሎም።
ሃፍትታት ትግራይ ብምብኻንን ንውልቀ ረብሓ ብምውዓልን ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝፍፅሙ ውልቀ ሰባት ድማ ስርዓት ክነትሕዞም ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብ ኣብያተ ዕዮታት ዘሎ ግዕዝይናን ብልሽው ኣሰራርሓን ብምትራፍ ተሓታትነት ብምርግጋፅ ትግራይ ክትረኽቦ ዝግባእ ኣታዊ ንኽትረክብ ሓባራዊ ፃዕሪ ይጠልብ ድማ ኢሎም።
ብሓፈሻ ሃፍቲ ትግራይ ዝኾኑ ኩሎም ፍልፍላት ኣታዊና ንዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ክነውዕሎም ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ፕሬዝዳት ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣይተ በሪሁ ሃፍቱ ብወገኖም ነጋዳይና ኣብ ምኽፋል ግብሪ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ንምዕባይ ቅድሚ ሐዚ ንፌደራልን ንክልልን ኣታዊ ዝገብሩ ዝነበሩ ነጋዶን ሰብ ሃፍትን ብምፍላይ ኣብዚ ዓብይ መደብ ምእካብ እቶት ንከዐውቱ ክስርሓሉ ይግባእ ኢሎም።
ሃፍቲ ትግራይ ክኽዕብት እንተኾይኑ ኩሎም ፍልፍላት ኣታዊና ክኽፈቱን ነጋዳይ ሃፍቱ ዘንቀስቅቕሰሉ ዕድል ክፍጠርን ይግባእ ዝበሉ ድማ ፕሬዝዳንት ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ከተማ መቐለ ኣይተ ፀጋይ ሓድጉ እዮም።
ብሰንኪ ፅንተታዊ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ይስራሕ ዋላኳ እንተሃለወ እቲ ፀገም ብሙሉእነት ስለ ዘይተፈትሐ ዝእከብ ግብሪ ሙሉእ ወፃእታት ከምዘይሽፍን ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ዶ/ር ምሕረት በየነ ገሊፀን።