News

August 04, 2026

በዓልመዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን ንምዕዋት ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ቅድመ ምድላው ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 2018/19 በጀት ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን ሓቢርካ ብምስራሕ ስሉጥ ግልጋሎት ንምሃብ ይስራሕ ከም ዘሎ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት ክልል ትግራይ ዶክተር ምሕረት በየነ ኣገንዚበን። 

ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ንምቅላል ውሽጣዊ ፋይናንስያዊ ዓቅሚ ትግራይ ምብራኽ ወሳኒ እዩ ክብላ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ዶክተር ምሕረት በየነ ገሊፀን።

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ትግራይ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት 2018ን ቀፀልቲ ኣንፈታት 2019 ዓ.ም ቅድመ ምድላው ክረምታዊ እቶትን ንግድን ኣመልኪቱ ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ዝተሳለጠ ኮይኑ ጥንኩራት ጎንታትና ብምዕቃብ ኣብ ምጥንካር ቴክኖሎጂ፣ ኣብ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ተዋዲድና ክንሰርሕ ይግባእ ክበሉ ኣብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ምኽባር ሕግን ኢንተለጀንስን ኣይተ ተስፋይ ታደሰ ኣተሓሳሲቦም።

ናይ ሎሚ ዘመን ግብሪ ምኽፋል እውን ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ፀገማት ማለት እውን ሰላምናን ልምዓትናን ብሙሉእነት ኣብ ዘይተረጋገፀሉ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ኣብ ዘይተመለስሉ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣብ ዘይተረጋገፀሉ፣ ውዕሊ ፕሪቶርያ  ኣብ ዘይተተግበረሉ ኩነታት ስለዘለና ሐዚ እውን ተመዛበልትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ትግራይ ንምምላስ ተዋዲድናን ተጠናኺናን ምስራሕ ወሳኒ እዩ። ስለዚ ናይ ሎሚ ዓመት እንኸፍሎ ግብሪ ተራ ምኽፋል ዘይኮነስ ነቶም ዝተገለፁ ዓበይቲ ፀገማት ንምፍታሕ ብዘለዎ ትርጉም ተረዲእና ክንሰርሕ ይግባእ ክብላ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ዶክተር ምሕረት በየነ መልእኽተን ኣመሓላሊፈን።

ብደጋፊ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ