June 19, 2026
ኣብቲ መድኽ ዘተ ዝተረኸባ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ምሕረት በየነ (ዶ/ር) እዙይ ዝካየድ ዘሎ ወሳናይ መድረኽ ዘተ ኣብ ትግራይ ኣጋጢምና ንዘሎ ሕፅረት ፋይናንስን ቁጠባዊ ቅልውላውን ንምፍታሕ ኣብ እቶትን ንግድን ውፅኢታዊ ስራሕ ምስራሕ አገዳሲ ስለ ዝኸነ እዪ ክብላ ገሊፀን።
ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብዚ በጀት ዓመት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክእከብ ተታሒዙ ዘሎ ትልሚ ካብ ብር 30-35 ቢልዮንን ኣብ ክረምቲዊ ምእካብ ግብሪ ካብ ታሕተዎት ኸፈልቲ ግብሪ ዝእከብ ብርን 1.2 ቢልዮንን ግብሪ ኣብ እዋኑ ንምእካብ መዳርግቲ ኣካላት ዝኾኑ ቢሮ ኢንዱስትሪ፣ ደቐቕትን ኣናእሽተይን ማኒፋክቸሪንግ፣ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን፣ ቢሮ ሰቪል ሰርቪስ፣ ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር፣ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራት ፣ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽንን ሚድያታትን ግድኦም ንክዋፅኡ ተሓቢሩ እዩ።
መድረኽ ዘተ ብተሳተፍቲ ኣካላት ናብ ኩሉ መሓውር ንፁር ትልሚ ክወርድ፣ አፈፃፅማ መደባት በቢእዋኑ እናተገምገሙ ክምርሑ፣ ኣብ መዓድንን ፀወታ ቢንጎታትን ዝግበር መፅናዕቲ ትኹረት ክዋሃቦ ምስቲ ዝሑል ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ዝተዛመደ ከፈልቲ ግብሪ ፍትሓዊ ውሳነ ግብሪ ክግበርን አሰታፋይ ክኸውን ዝብሉ ርኢቶታትን ሕቶታትን ቀሪቦም ብዝምልከቶም ኣከላት መብራህርሂ ምስተውሃበ እቲ መድረኽ ዘተ ተዛዚሙ።