News

August 04, 2026

በዓል መዚ እቶት ትግራይ ኣብ ኣተኣኻኽባ ግብሪ 2018/19 ዓ/ም መሰረት ብምግባር ቅድመ ምድላውን ህልው ኩነታት መሰረት ብምግባር ጋዜጣዊ መብርሂ ሂቡ።

በዓል መዚ እቶት ትግራይ ኣብ ኣተኣኻኽባ ግብሪ 2018/19 / መሰረት ብምግባር ቅድመ ምድላውን ህልው ኩነታት መሰረት ብምግባር ጋዜጣዊ መብርሂ ሂቡ።

ኣብ ኣብዚ ዓመት እዚ፣ ካብ 1 ሓምለ ጀሚሩ ንኹሎም ብርኪ “ለ” ዝምደቡ ንጋዶታትን መካረይትን ዝምልከት ዓመታዊ ናይ ግብሪ ምኽፋልን ምስራሕን ተግባራት ንምክያድ ቅድመ ምድላው ተወጊኑ ከም ዘሎ ምኽትል ዳይሬክተር በዓል መዚ እቶት ኣይተ ወ/ገብሪኤል ኣፅብሃ ኣገንዚቦም።

ግብሪ ከፈልቲ ናብ ዝተዳለዉ ማእኸላት ብምቕራብ ግብሮም ዝኸፍሉሉ ሓደ ማእኽል ተዳልዩ ንስራሕ ድልው ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም ።

ቅድመ-ምድላው ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን ስራሕቲ ዓመት ሙሉእ ናይ መፅናዕትን ምድላውን ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ዝሓበሩ እንትኾኑ ሐዚዚ እውን ብዝሓሽ መልክዑ ምችው ንምግባር እናተሰርሐ ከም ዝርከብ ግልፂ ገይሮም።

ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን ንምስላጥ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስትን ማሕበረሰብ ንግድን ተዋዲዶም ይሰርሑ ኣለዉ። ዲጂታላዊ ኣሰራርሓ ኣብ ዝበዝሓ ከተማታትን ወረዳታትን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ስራሕቲ ይውገን ከምዘሎ ምኽትል ዳይሬክተር በዓል መዚ እቶት ኣይተ ወ/ገብሪኤል ኣፅብሃ አገንዚቦም።