March 26, 2026
ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ቤት ዕዮ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ኣብ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪተን 1 መጋቢት 2018 ዓ.ም መድረኽ ዘተ ኣካይደን።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸባ ተጋዳሊት ሮማን ገ/ስላሴ እቲ ሎሚ እነኽብሮ ዘለና ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዓለም ብርኪ ንመበል 115 ዓመት ዝኽበር ዘሎ ኮይኑ ኣብ ክልል ትግራይ ድማ “ማርች 8 ንኹሉ መዳያዊ ሕውየትን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንመበል 50 ዓመት እናተኸበረ ከም ዝኾነ ምስ ገለፀት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ 115 ዓመታት ኣብ ኣህጉር ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮፓን ንመሰል ማዓርነትን ነፃነትን፣ ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ክፍሊትን ንክብሪ ሰብኣዊ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ኣመልኪተን ብዝገበረኦ ምንቅስቓስ ዝተጀመረን በቢእዋኑ እናማዕበለ ከም ዝመፀን
ብዝርዝር ኣብሪሀን።
ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ (ማርች 8) ብመንፅር ክልልና እንትረአ ድማ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ካብ ዝነበረን ድርብ ወፅዓ ንምንጋፍ ኣብቶም ንህልውና ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝተኻየዱ ናይ ሕሉፍን ቀረባን መኸተ ማዕረ ምስቲ ወዲ ተባዕታይ ተሳቲፈን ንመሰለንን ህዝበንን ተቓሊስንን ኣቃሊሰንን እየን። ካብቱ ውፅኢት ቃልሰን ድማ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብውፅኢት ቃልስን ኣብ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ተሳተፍቲ ብምዃነን ተጠቃምነተን እናረጋገፃ ከም ዝኾና ተጋዳሊት ሮማን ገ/ስላሴ ገሊፃ።
ጉዳያት ኮሙኒኬሽን
በዓል መዚ ልምዓት እቶት