News

March 26, 2026

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት 2018 ዓ/ም ገምጊሙ

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት 2018 ዓ/ም ገምጊሙ

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ትግራይ ምስ ሰራሕተኛታቱ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ቀደማይ ፍርቂ ዓመት 2018 በጀት ዓመት ኣካይዱ።

  ኣብዚ ቀዳማይ መንፈቅ ዓመት ሪፎርምታት ግብሪ ንምዕዋት ካብ ክልል ጀሚሩ ክሳብ መሓውር ወረዳታትን ከተማታትን ትልሚ 2018 በጀት ዓመት ብምውፃእ መደባት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ንምዕዋት ተጠናኺሩ ከም ዝተሰርሐሉ ምኽትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት ክልል ትግራይ ኣይተ ወ/ገብርኤ ኣፅብሃ ኣገንዚቦም።

ከም በዓል መዚ ኣብ 2018 በጀት ዓመት ኣብ ቁልፍን ዓበይትን ዝተትሓዙ መደባት ንምዕዋት ኣተሓሳስባን ተግባራትን ኣካብነት ክራይ ብምድኻም ብንእክቦ እቶት ግብሪ ፍልፍል ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ኮይኑ ንመሳለጢ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ስራሕቲ ክልልና ንኽውዕል ካብ ክልል ጀሚሩ ክሳብ መሓውር ወረዳታትን ከተማታትን ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዘመናዊ ህንፀት ስርዓት መረዳእታ ኣብ ምጥንኻር ዕውታት ስራሕቲ ከም ዝተወገኑ ኣብቲ መድረክ ተሓቢሩ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት 2018 በጀት ዓመት ዘመናዊ ህንፀት ስርዓት መረዳእታ ብምጥንኻር 65 ቢልዮን ብር ዋጋ ዘለዎ መረዳእታ ዕደጋን መሸጣን ብምእካብን ብምትንታትንን ኣብ ጥቅሚ ውሳነ ግብሪ ክውዕል ናብ መሓውር ወረዳታትን ከተማታትን ተላኢኹ ኣብ ጥቅሚ እናወዓለ ይርከብ።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት ትግራይ ኣይተ ክብሮም ፍስሃየ ብወገኖም ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ሽዱሽተ ወርሒ ዝነበሩ ጥንካረታት ብምዕቃብ ኣብ ተግባር ዝተርኣዩ ክፍተታት ድማ ብምምላእ ተጠናኺሩ ከም ዝስርሐሉ ግልፂ ገይሮም። 

ካብ ተሳተፍቲ እቲ ገምጋም ኣብ ምትግባርን ምትእትታውን ቴክኖሎጂ ውሱንነት ምንባሩ፣ ንፁር መረዳእታ ከፈልቲ ግብሪ ዘይምሓዝን ዝተለኣኸ መረዳእታ ዕደጋን መሸጣን ኣብ ጥቅሚ ውሳነ ግብሪ ክውዕል ኣብ ምግባር ክፍተት ምንባሩ፣ ብፍላይ ብተግባር ዝርአ ዘሎ ዋሕዲ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምምላእን ክፍተት ከም ዘሎ ዝብሉ ሕቶታት ተላዒሎም ብዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ተዋሂብዎም ኣብ ሓበራዊ ብምርድዳእ ተበፂሑ ንቐፃሊ ጠመተ ዘድልዮም መደባት ብምንፃር ቑጠባዊ ዓርሰ ምርኮሳ ትግራይ ንምዕባይ ኣበርቲዖም ከም ዝሰርሑ ቃል ኣትዮም።